Translations:Forgiving Step by Step/22/ti
- ሕጂ እምበኣር ነቲ እንገብሮ ሕድገት ትኽ ኢልና ብቓላትና ንግለጾ („___ ብምግባሩ/ብምግባራ ን___ (ኽስቶ) በደሉ/በደላ እሓድገሉ/እሓድገላ“)። ንዅሉ ነገር ድማ ንእግዚኣብሔር ክነረክቦን ኣብ ኢዱ ኽንሓድጎን ንወስን።
- መብዛሕትኡ ዝግበር ጌጋታት፦ እግዚኣብሔር ነቲ ዝበደለና ሰብ እንታይ ክገብሮ ከም ዘለዎ መምርሒ ኽንህቦ ንፍትን። ወይ’ውን ሕድገት ክንገብር ድሌት ከም ዘለና („ጎይታይ፡ ሕድገት ክገብር ሓግዘኒ“) ንገልጽ ጥራይ እምበር፡ ሕድገት ንኽንገብር ግን ኣይንውስንን።