Translations:Forgiving Step by Step/31/ti
- ካብ መገዲ ሕድገት ዘይምውጻእ
- ሕድገት ቅድሚ ምግባርካ ዝነበሩኻ ስምዒታት ዳግማይ ክግንፍሉ እንድሕር ጀሚሮም፡ ነቲ ነገር ሕድገት ጌርካ ከም ዝወዳእካዮን ዝዓጸኻዮን ዘክር። እቶም ዝተመልሱ ስምዒታት ሽዑ ከም ሃፋ ኽበኑ’ዮም። ናይ’ቲ ገጢሙካ ዝነበረ በደል ርኢኻዮ ዘይትፈልጥ ሓዲሽ ሸነኻት ወይ ብውሽጢ ተሓቢኡ ዝነበረ ስምዒት ክስመዓካን ክፍለጠካን እንተጀሚሩ ግን፡ ከም ብሓዲሽ መሊስካ ብመስርሕ ሕድገት ክትከይድን ክትሓልፍን ይግባኣካ። ነዚ ነገር’ዚ’ውን ኣጻርዮ።