download: Pdficon.png
Odticon.png
Version: 1.1

ምዕራፋት ሕድገት

ፍቕሪ ዝመልኦ ጥቡቕ ዝኾነ ዝምድና ምስ ካልኦት ሰባት ክንምስርትን ክህልወናን ነፍስ ወከፍና ዝምነዮ ነገር’ዩ። እንተኾነ ግን ቅድሚ ሕጂ ብኻልኦት ሰባት ኣብ ልዕሌና በደል ወይ’ውን ዓመጽ ዝገጠመናን ዘሕለፍናን ብምዃና፡ ዝፈጠረልና ቓንዛ ስምብራቱ ብዘይምግዳፉ ብሰንኩ ንሳቐ ኢና። ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ልዕሊ ኣካልና ዝፍጠር ቍስሊ ዝረክስን ዝመጕልን፡ ኣብ ውሽጥ ልብና ዝበቍል ቍስሊ’ውን፡ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይፈዊስናዮ፡ ናብ ምረትን ቅሬታን’ዩ ዝልወጥ። ጊዜ ዘይፍውሶ ደግሲ ቝስሊ’ውን ኣሎ!
መብዛሕትኡ ጊዜ ነብስና ካብ ሰባት ብምግላልን ጨሪሽና ብምንጻልን፡ ነቲ ዝገጥመና ሽግር ክንገጥሞ ኢና እንፍትን። ናብ ዝኾነ ሰብ ከም ዘይንቐርብን መወዳእትኡ ብጽምዋ ተባሒትና ንበይንና ከም እንተርፍ ንኸውን። ወይ ድማ ብምቝጥዓን በቲ ኣብ ልዕሌና ዝበጽሐ በደል ሕኒን ብምባልን ሕኔና ክንፈዲ ላዕልን ታሕትን ብምባልን፡ ነቲ ሽግር ክንፈትሖ ንፍትን። እዚ ግን ወግሐ ጸብሕ ብዛዕብኡ ጥራይ ከም እንሓስብን፡ በቲ ሓሳብ ተጸሚድናን ተዓጊትናን ከም እንተርፍን ይገብረና።
ዳግማይ በደል መሊሱ ንኸይገጥመና ነብስና ንምክልኻል እንኽተሎ መገዲ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሌና ዝያዳ ቓንዛን ስቓይን ባዕልና ካብ ምፍጣር፡ ካልእ እንረኽቦ ፍረ ግን የልቦን። ብተወሳኺ በደል ዝገጠመና ስለ ዝኾና፡ ምስ ካልኦት ሰባት ዝህልወና ዝምድና’ውን ፍቕሪ ዝመልኦ ኣይከውንን። እተበደለ ሰብ ንኻልእ ሰብ ስለ ዝብድል

እታ እንኮ ፍታሕ ካብ’ዚ መዋጽኦ ዘይብሉ ሕሱም ዓንኬል ሕድገት ምግባር’ያ። እቲ ዝገጠመና ምሒር ዘሕዝን እንተኾይኑ፡ ሕድገት ምግባር ኣዝዩ ከጸግመና ይኽእል ይኸውን። ሕድገት ጌርና ክሳዕ ዘይሰገርናዮ ግን፡ ምስ’ቲ ዝበደለና ሰብን ምስ’ቲ ዝሓለፈ ጊዜን ተላጊብና እሱራት ኮይና ኢና እንተርፍ። ነቲ ነገር ክንዓብጦን ክንዓብሶን ንፍትን ንኸውን፡ ነቲ ዝገጠመናን ዘሕለፍናዮን ቃንዛ ግን ብኸም’ዚ መገዲ ብቐሊሉ ክንርስዖ ዘይካኣል’ዩ። እግዚኣብሔር ግን ብኣንጻሩ ነጻ ኽንከውን’ዩ ዝደሊ። ካብ ተሰኪምናዮ ዘለና ቓንዛን ምረትን፡ ጨቢጡ ሒዝና ካብ ዘሎ ሕነ ናይ ምፍዳይ ባህግን፡ ካብ ኵሉ ዝሓለፈ ነጻ ኽንከውን’ዩ ድሌቱ።

ሕድገት እንታይ ማለት’ዩ?

ኣብ ልዕሊ ኻልእ ሰብ ዘለኒ ወቐሳን ክስን ምሕዳግ ማለት’ዩ። ነቲ ዘለኒ ወቐሳን ክስን ኣብ ኢድ’ቲ ፍትሓዊ ፈራዲ ዝኾነ እግዚኣብሔር ምቕማጥን ምግዳፍን’ዩ። ንዝበደለኒ ሰብ ኣብ ክንዲ ባዕለይ ዝፈርዶ፡ እግዚኣብሔር ባዕሉ ንኽፈርዶ እምነተይ ኣብ እግዚኣብሔር ይኸውን። ሰብ በዲሉኒ እናበልኩ ካብ ምጽ፟ብጻብን ካብ ምውቃስን ምርሓቕ ማለት’ውን’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፦ ኣብ ልዕለይ ዝበጽሐ በደልን ሳዕቤኑን እተፈጸመ ስለ ዝኾነ፡ ወትሩ ምሳይ ኣብ ዝባነይ’ዩ። ዝበጽሓኒ ነገር ድማ ንድሕሪት ክመልሶን ከም ዘይተፈጸመ ኽገብሮን ዘይክኣል’ዩ። ስለ’ዚ እምበኣር ሰላመይ ንኽረክብ፡ ነቲ ዝበደለኒ በደሉ እሓድገሉ።
እቲ ውሳኔ ኣብ ኢደይ’ዩ ዘሎ። እቲ ዝበደለኒ ሰብ ́ይቕረታ ሓቲትኒ ድዩ ኣይሓተተንን ́፣ ́ምሳይ ኣብ ጎነይ ኣሎ ድዩ የለን ́ ብዘየገድስ፡ እቲ ዝግበር ውሳኔ ኣብኡ ዝምርኰስ ኣይኮነን። ጽግዕተኛ ናይ’ቲ ዝበደለኒ ሰብ’ኳ ኣይኮንኩን።
ንዝበደለኒ ሰብ ይቕረ ኽገብረሉን በደሉ ኽሓድገሉን እንከለኹ፡ ነቲ ዝበደለ ሰብ ብርግጽ ጽቡቕ’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ንነብሰይ ዝጠቅምን ዝሓይሽን’ዩ። ምኽንያቱ ሕድገት ክንገብር እንከለና፡ ጨቢጦም ሒዞምና ካብ ዘለዉ ኣሉታዊ ስምዒታት (ፍርሒ፡ ቍጥዐ ወይ ምረት ወዘተ. ) ብሓቂ ሓራ ስለ እንወጽእን ውሽጥና ስለ እንፍውስን።

ምዕራፋት ሕድገት

ከመይ ጌርና ኢና ንኻልእ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ሕድገት እንገብረሉ? ብሃወኽ እንገብሮ ናይ ኣቋራጭ ሕድገት፡ ምሉእ ዘይኮነ ጐደሎ ሕድገት ኮይኑ ኸይተርፍ ዘሰክፍ’ዩ። ኣብ ውሽጥ ልብና ናይ’ቲ ዝገጠመና በደል ገና ሕርኽርኽ ዝብለና ቂም በቐል ክህሉ ስለ ዝኽእል። ከም’ዚ ንኸይፍጠር ድማ፡ ብዝበለጸ ምስ ዝተሓጋገዘና ሰብ ብምዝርራብ፡

{{{1}}}

1. እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

  • ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ብልክዕ ብጭብጢ ምንጋር
  • መብዛሕትኡ ዝግበር ጌጋታት፦ ሓፈሻዊ ዝኾነ ዘይንጹር ኢና እንዛረብን እንነግርን ።

2. እንታይ’ዩ ጐዲእኒ ዘሎ? እንታይ ዓይነት ስምዒታትከ ኣሎዉኒ?

  • ስምዒታትና ኽፋል ጥዕናና ስለ ዝኾኑ የገድሱ’ዮም!
  • መብዛሕትኡ ዝግበር ጌጋታት፦ ንስምዒታትና ጎሲና ተገዳስነት ከይሃብና ኣብ’ቲ ነገር ጥራይ ኢና ንጸቅጥ።

3. ንበዳሊ ብዘይሕብእብእ በዲልካ ንበሎ

  • እቲ ዝበደለኒ ሰብ ከም’ዚ ከም'ቲ ብምግባር ወይ ብዘይምግባር በዲሉኒ እንብሎ ዘበለ ነገር፡ ከየጸባበቕናን ከየመኽነናን ንግለጾ።
  • መብዛሕትኡ ዝግበር ጌጋታት፦ ነቲ ዝበደለና ሰብ ምኽንያት ክንፈጥሩልን ክነመኽንየሉን ንርከብ (በዳሊ እንተዘየለ’ሞ ሕድገት ዝግበረሉ ሰብ’ውን ክህሉ ኣይክእልን።)

Now we go into prayer and bring everything to God.

4. ብዛዕባ ዝገጠመና በደል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክስና ነቕርብ።

  • ኣብ ቅድሚ ፈራዲ እግዚኣብሔር ቀሪብና፡ ነቲ ዝበደለናን ዝጐድኣናን ሰብ ንኽሰሶ። እዚ ኽንገብር እንከለና፡ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ምዕራፋት ዘለዋ ቀንዲ ነጥብታት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንዛረበለን ንግለጸን።
  • መብዛሕትኡ ዝግበር ጌጋታት፦ ነዛ ምዕራፋ ወይ ደረጃ’ዚኣ ትም ኢልና ንሰግራ ወይ’ውን ካብ እግዚኣብሔር ስምዒታትና ንሓብኦን ንኽውሎን።

5. ሕድገት ብቓላትካ ምግላጽ

  • ሕጂ እምበኣር ነቲ እንገብሮ ሕድገት ትኽ ኢልና ብቓላትና ንግለጾ („___ ብምግባሩ/ብምግባራ ን___ (ኽስቶ) በደሉ/በደላ እሓድገሉ/እሓድገላ“)። ንዅሉ ነገር ድማ ንእግዚኣብሔር ክነረክቦን ኣብ ኢዱ ኽንሓድጎን ንወስን።
  • መብዛሕትኡ ዝግበር ጌጋታት፦ እግዚኣብሔር ነቲ ዝበደለና ሰብ እንታይ ክገብሮ ከም ዘለዎ መምርሒ ኽንህቦ ንፍትን። ወይ’ውን ሕድገት ክንገብር ድሌት ከም ዘለና („ጎይታይ፡ ሕድገት ክገብር ሓግዘኒ“) ንገልጽ ጥራይ እምበር፡ ሕድገት ንኽንገብር ግን ኣይንውስንን።

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ዝገጠመካ በደል ክስኻ ምቕራብ

እግዚኣብሔር ፈራዲ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ዝገጠመካ በደል ኣብ ቅድሚኡ ኽተቕርቦ መሰል ኣሎካ። ኣብ መወዳእታ ዓለም ካብ ፍርዲ እግዚኣብሔር ዘምልጥ ዋላ ሓደ ኻባና የልቦን። ድሕሪ ፍርዲ ድማ ፍትሒ ኽትከልን’ዩ። ሕጂ ግን ፍርዲ ኽንህብ ንዓና ዝምልከት ስራሕ ኣይኮነን። ንኻልኦት ክንቀጽዕ ወይ ሕነና ክንፈዲ መሰል የብልናን።
ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ቅድሚ ሓደ ዓለማዊ ፈራዲ ኽስና እነቕርብን እነስምዕን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር’ውን ክስና ኽነቕርብን ክነስምዕን ይከኣል'ዩ። ንእግዚኣብሔር ቅር ከይነብሎ ኢልና ክንፈርሖ የብልናን። ብዘይሕብእብእ ኣብ ቅድሚኡ ሓቀኛታት ክንከውን፡ ዝስመዓና ዘበለ ኽነርእዮን ክንገልጸሉን ይፍቀደና’ዩ። እዚ ምስ ገበርና ድማ ተሰኪምናዮም ዘለና ወቐሳን ክስን ካባና ነጊፍና፡ ንዅሉ ነገር ናብ ኢድ እግዚኣብሔር ነረክቦ። ነቲ ዝበደለና ሰብ ክንፈርድ ኢልና ድሕሪ’ዚ ደጊም ኣይክንፍትንን ኢና። እቲ ፍርዲ ንእግዚኣብሔር ገዲፍናሉ ኢና።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ሓገዝ ናይ ሰብ ምቕባል
ኣብ ጸገምን ሽግርን ስለ ዘለና፡ ክንከዶ ዘለና ናይ ሕድገት መገዲ ንበይንና ክንሓልፎ ከሸግረና'ዩ። ኣብ’ቲ እንኸዶ መገዲ ዘገድሱ ሸነኻት ከይረኣናዮም ክንሓልፎም ስለ ንኽእል፡ በተን እንኸደን ናይ ሕድገት ምዕራፋት ወይ ደረጃታት ዝመርሓካን ምሳኻ ሓቢሩ ዝጽልን ዝተሓጋገዘካ ሰብ ክትረክብ ኣለካ!
ብወገንና ዝግበር ስሕተት
ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝበደለና ሰብ’ውን በደል ንፍጽም ኢና። ምስ ተበደልና ንኣብነት ፍቕሪ ብዘይብሉ ኣገባብ መልሰ ግብሪ ብምውሳድና፡ በደልቲ ዄና'ውን ንርከብ ኢና። ነዚ ነገር’ዚ ሸለል ብምባል ከይተገደስናሉ ክንሓልፎ ኣይግባእን። ንነብስና ምእንቲ ሕድገታ'ውን ክንልምንን ክንናሳሕን ከድሌና’ዩ። ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ነዚ ነገር’ዚ ኣጻርዮን ኣነጽሮን!
ንገዛእ ርእስኻ ሕድገት ምግባር
ንነብስና ንሓርቀላን ንወቕሳን ንኸውን። ከመይ ጌሩ በደልና ከም ዝሓድገልናን ከም ዘንጽሃናን፡ እግዚኣብሔር ብመድሓኔ ዓለም ኢየሱስ ጌሩ መገዲ የርኤናን ይቕርበልና’ዩ። ንነብሰይ በደላ ምሕዳግ ማለት፡ ነቲ ዘቕርበልና ዘሎ መገዲ ምውሳድን ምኻድን ማለት’ዩ።
ሕድገት ንእግዚኣብሔር
ሓደ ሓደ ጊዜ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ኣሉታዊ ዝኾነ ሓሳብ ይህልወና። ብእግዚኣብሔር 'ውን ንቍጣዕ ንኸውን። እግዚኣብሔር ግን ስሕተት ዘይብሉ ፍጹም ስለ ዝኾነ፡ ሕድገት ክንገብረሉ ዘይሕሰብ'ዩ። ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ዘለና ኣሉታዊ ስምዒታትን ሕርቃንን ግን ክንናገፍን ክንነጽህን ከድሌና’ዩ።
ካብ መገዲ ሕድገት ዘይምውጻእ
ሕድገት ቅድሚ ምግባርካ ዝነበሩኻ ስምዒታት ዳግማይ ክግንፍሉ እንድሕር ጀሚሮም፡ ነቲ ነገር ሕድገት ጌርካ ከም ዝወዳእካዮን ዝዓጸኻዮን ዘክር። እቶም ዝተመልሱ ስምዒታት ሽዑ ከም ሃፋ ኽበኑ’ዮም። ናይ’ቲ ገጢሙካ ዝነበረ በደል ርኢኻዮ ዘይትፈልጥ ሓዲሽ ሸነኻት ወይ ብውሽጢ ተሓቢኡ ዝነበረ ስምዒት ክስመዓካን ክፍለጠካን እንተጀሚሩ ግን፡ ከም ብሓዲሽ መሊስካ ብመስርሕ ሕድገት ክትከይድን ክትሓልፍን ይግባኣካ። ነዚ ነገር’ዚ’ውን ኣጻርዮ።

ባዕልኻ ንነብስኻ ምምርማር

ዘድሊ ጊዜ ሂብካ፡ ንእግዚኣብሔር ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ኣቕርበሉን ዝመጸካ ሓሳብ ብጽሑፍ ኣስፍሮን፦

ኦ እግዚኣብሔር፡ ንመን’የ በደሉ ኽሓድገሉ ዘለኒ?
ንእግዚኣብሔር ስምዓዮን ምስ ካልኦት ሰባት ዘለካ ዝምድናን ርክብን (ምስ ወለዲ፡ ስድራ ቤት፡ ኣዝማድ፡ ኣዕሩኽ፡ ጎሮባብቲ፡ መሳርሕቲ፡ መማህርቲ፡ መምሃራን፡ ሓለፍቲ፡ ገዛእ ርእስኻ፡ እግዚኣብሔር፡ ...) ብሓሳባትካ ኣሰላስሎን። ኣበይ'የ ተበዲለ ዘለኹ? ብመን’የ ተበዲለ ዘለኹ?

ምስ ሰብ ዘለካ ዝምድና ደሓን ምዃኑ ወይ ደሓን ዘይምዃኑ፡ ማለት ብእኡ ተቐይምካ ዲኻ ኣይተቐየምካን ንምፍላጥ ዝሕግዘካ ምኽሪ፦

  • ብዛዕባ’ቲ ሰብ ሕሰብ፦ ካብ ውሽጢ ልብኻ ብሓቂ ጽቡቕ ክትምነየሉ ትኽእል ዶ?
  • ንበል እቲ ሰብ ኣብ መገዲ የጓነፈካን ትረኽቦን፦ እንታይ ይስመዓካ? ኣብኡ ገና ቒምታ ኣለካ ዶ?

ናብ ግብሪ ምትርጓም

ኣየናይ በደል ወይ ጕድኣት’የ መጀመርያ ክገጥሞ ዝደሊ?
ኣብ’ዚኸ መን’ዩ ኽተሓጋገዘንን ክድግፈንን ዘሎዎ? ድሕሪ’ዚ ምስ’ቲ ዝተሓጋገዘካ ዄንካ፡ ክውሰድ ዘለዎ ቐጻሊ ስጕምቲ ሓቢርኩም ኣነጽርዎ ኢኹም!